top of page
Search

ኣይትሕዘኒ ሓፍተይ


ኣይትሕዘኒ ሓፍተይBy ሙስጦፋ ዳውድ


ኣይትሕዘኒ ሓፍተይ


ምሳኺ ረቢ'ሎ በይነይ'የ ኣይትበሊ

መእተዊ ከይረክብ ሰይጣን መታለሊ

ዘውትር ምስ ጸዓረ ተንኮሉ ዘይበሊ

ሕሹኽ እንተ'ሉኪ ናብ ጎይታ ደውሊ


ሰይጣን ኣየዕረፈን ተስፋኺ ክሰርቅ

ሞራልኪ ኣዳኺሙ ጠባይኪ ከርቅቅ

መሰረት ሓይልኺ ኢማንኪ ክጽንቅቅ

ንዓኺ እናብከየ ንሱ ንኽስሕቅ

ኩሉ ፈተነ'ዩ ምጽማድ ምፍታሕ

ብመኻንካ ምንባር ብሓያምካ ምጽናሕ

ዕድል ይለዋወጥ ይዕጸፍ ይዝርጋሕ

ባህርያት ዓለም’ዩ ምስ ጸልመተ ምውጋሕ


ጽንዓትኪ ክፍትን እምነትኪ ክጸሪ

ምትንካፍ ኣይተርፍ ብሃሩር ብቁሪ

ብጽጋብ ብጥምየት ኩሉ ተጻራሪ

ፍጥርቲ ካብ ኮንኪ ሓፍተይ ተጻወሪ


ዘይሓልፍ ይመስል ብወድሰብ ዓቕሚ

ኣብ ሓቂ ዘይትርጎም ከም በናኒ ሕልሚ

ኩን እንተ 'ሉዎ ግን ረቢ ብትእዛዙ

ትምኒትኪ የስምሮ ንብዓትኪ ደሪዙ


ንጸበ ብስራት ክወርድ ካብ ላዕሊ

ዑቅባኺ ንሱ'ዩ ርክብኪ ኣደልድሊ

ፍታሕኪ ካብኡ'ዩ ናብኡ ተወከሊ

ብቅጽበት'ዩ ለውጢ ዱዓኺ ቀጽሊ


ሓወይ ኣይተማርጽ ከም ንፋስያ ሂይወት

ዘርክባ ሰብ የለን ዘውትር ምስ ጎየየት

ጥዕና ኣይእመንን ከየገርህ ዕብየት

ጥርዓን'ያ ተብዝሕ ነብሲ ምስ ቀነየት


ተቀላጠፍ ሓወይ ኣይተብዝሕ ሰጋእታ

ብለይቲ ተሓልመ ይፈጸም ወጋሕታ

ግዜኻ ኣይተቃጽል ኩሉ ክተማልእ

ኮለል የድክም'ዩ ዕድመ'ዩ ዝዉድእ


ኣይትሕዘኒ ሓፍተይ ምሳኺ ረቢ'ሎ

ንሱ እንተ ኣዚዙ መን'ዩ ዝኽልክሎ

ክሓልፍ'ዩ ጽባሕ ናይ ሎሚ ጸበባ

ክትወልዲ ክትዘምዲ ክንጸግ ኣበባ


ሕልና ክቀስን ንለዋወጥ ሓሳብ

ጸገም'ዩ ዝፈትሕ ምምኻር ምልዛብ

ደሃይ ንፈላለጥ ንናበብ ብግልጺ

ከይመስላ ሓፍትና ዘይብላ ደንጋጺ


ኩሉ ሓላፋይ'ዩ ንሎሚ ንጸመም

ብትዕግስቲ እኮ'ዩ ጉዳይና ዝቀመም

ስክፍታ ምስ ጭንቀት ዝፍወስ ዝሕከም

ትምኒትና ዝሰምር ብዓወት ዝድምደም

 
 
 

1 comentário

Avaliado com 0 de 5 estrelas.
Ainda sem avaliações

Adicione uma avaliação
hamadaa81
14 de fev.
Avaliado com 5 de 5 estrelas.

May Allah Bless You brother

Curtir

Get in Touch

Contact us for more information or any suggestions.

123-456-7890

  • Facebook
  • Twitter
  • LinkedIn
  • Instagram

Terms & Conditions

Privacy Policy

Contact us

bottom of page